ኣመራርሓ ፋሪብካ ጨርቃመርቂ ማ ጋርመንት 150 ሺሕ ማስክ መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ንኮሚቴ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ክልል ትግራይ ኣወፍዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓ ፋሪብካ ጨርቃመርቂ ማ ጋርመንት 150 ሺሕ ማስክ መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ብምስፋይ ንኮሚቴ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ክልል ትግራይ ብናፃ ከምዘወፈየ ገሊፁ።

ኣብ መቐለ ዝርከብ ፋሪብካ ጨርቃመርቂ ማ ጋርመንት፥ እቲ ብብርኪ ዓለም ኣስጋኢ ዝኾነ ለበዳ ሕማም ንምቁፅፃርን ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ብምዃን ካብቲ ለበዳ ሕማም ናፃ ንምግባርን ግቡኡ ንምፍፃም ዓሊሙ ብዘይ ክፍሊት ንምውፋይ ከምዝወሰነ ገሊፁ።

ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ውሽጢ እቲ ትካል ኮሚቴ ብምጥያሽ እናሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል፥ ኩሎም ፀገማት ብሓባር ምስዓር ይግባእ ክብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment