ኣመራርሓ ካብ ስልጠና ዝረኸቦ ፍልጠት ብተግባር ጭቡጥ ለውጢ ከምፅእ ትፅቢት ይግባር ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓ ካብ ስልጠና ዝረኸቦ ፍልጠት ብተግባር ጭቡጥ ለውጢ ከምፅእ ትፅቢት ይግባር ክብሉ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ኣይተ ኣደም፥ ”ከዕዳ ወደ ምንዳ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ጂንካ ማእኸል ስልጠና ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ ኣባላትን ኣመራርሓን መንግስቲ ብምርካብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም፥ ብተኸታታሊ ዝወሃብ ዘሎ ስልጠና ኣብ ኣመራርሓ መንግስቲ ናይ ኣተሓሳስባ፣ ክእለትን ተግባርን ሓድነት ነክህሊ ዝገብር ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ለውጢ፣ ምዕባለን ዕብየትን ንምዕዋት ዓቕሚ ዝኸውን ኣመራርሓ ከምዝፍጠር እውን ተዛሪቦም።

እቲ ስልጠና ብቐንዱ ኣርባዕታ ረብሓታት ከምዘለውዎ ብምግላፅ፥ ኣብ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ፣ ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ኣብ ከይዲ ዘጋጠሙ ዕንቅፋታትን፣ ኣብ ቀፃሊ ዘጋጥሙ ፀገማትን መፈትሒታትን ዝጠመተ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ነቲ ኣመራርሓ ዝተውሃቦ ሓላፍነትን ልኡኽን ብብቕዓት ንምውፃእ ዘኽእል ፍልጠት፣ ክእለትን ልምዲን ዝሽምተሉ ምቹእ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣመራርሓ ካብ ስልጠና ዝረኸቦ ፍልጠት ብተግባር ጭቡጥ ለውጢ ከምፅእ ትፅቢት ይግባር ክብሉ እወን ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment