ኣመራርሓ ትምህርቲ፥ ፖለቲካን ትምህርቲን ፈላሊዮም ብምግንዛብ ኣብ ስረሖም ጥራሕ ጠመተ ክገብሩ ኣለዎም- ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስራሕቲ ትምህርቲ ዘለዉ ኣመራርሓ  ፖለቲካን ትምህርቲን ፈላሊዮም ብምግንዛብ ኣብ ስረሖም ጥራሕ ጠመተ ክገብሩ ኣለዎም ክብሉ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር መበል 33 ሃገራዊ ጉባኤ ትምህርቲ ምኽኒያት ብምግባር ከምዝበልዎ፥ ኣብ ስራሕቲ ትምህርቲ ዝድለ ውፅኢት ንክመፅእ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ኣመራርሓ ፖሊቲካን ትምህርቲን ሓዋዊሶም ክርእዩ ኣይብሎምን።

ቀንዲ ሰርሖም ብቅንዕናን ሓቂን ነህዝቢ ኣብ ምግልጋል ክኸውን ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ትምህርቲ ብፅርየትን ፍትሓውነትን ንዜጋታት ንዕዉትነት ምቕራብ ዝተጀመረ ስራሕ  ጠንኪርካ ምስራሕ ትፅቢት ከምዝግበር ገሊፆም።

ኣብቲ ጉባኤ ሓለፍቲ ቢሮ ትምህርቲ ክልላት፣ ፕሬዚዳንታት ዩንቨርስቲ፣ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ማሕበራት ሙያን መዳርግቲ ኣካላትን ይሳተፉ ከምዘለዉ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

Comments (0)
Add Comment