ኣመራርሓ ተቓወምቲ ፖለቲካ ፓርቲ ናብ ሹመት ምምጽኦም ዓብይ ሃገራዊ ለውጢ እዩ-ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ግድብ ህዳሰ ናይ ኣደታት ጸገም ዝቐርፍ ብምኳኑ ዓብይ ህዝባዊ ተሳትፎ ንምፍጣርን እቲ ግድብ ንምጥንቓቕ ድልው ከምዝኾኑ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ገሊጾም።

ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ሕዝባዊ ተሳትፎ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብምዃን ምሿሞም ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ኣመራርሓ ተቓወምቲ ፖለቲካ ፓርቲ ናብ ሹመት ምምጽኦም ዓብይ ሃገራዊ ለውጢ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ግድብ ህዳሰ ናይ ኣደታት ፀገም ዝቐርፍ ብምዃኑ ዓብይ ህዝባዊ ተሳትፎ ንምፍጣርን እቲ ግድብ ንምጥንቓቕ ድልው ከምዝኾኑ እውን ዶ/ር ኣረጋዊ ገሊጾም።

ዶ/ር ኣረጋዊ ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ሕዝባዊ ተሳትፎ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብምዃን ምሿሞም ሓጎስ ከምተሰምዖም ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ገሊጾም።

ኣመራርሓ ተቓወምቲ ፖለቲካ ፓርቲ ናብ ሹመት ዝመፅኡሉ ዘሎ መንገዲ ብኣውንታ ክርአ ዝኽእል እዩ ዝበሉ ዶ/ር ኣረጋዊ፥ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኹሉ ብዘለዎ ክእለት እናተመዘነ ዓዱ ከገልግል ዘኽእል ዕድል ምሃቡ ናይዚ ለውጢ ሓደ ፅቡቕ መግለፂ እዩ ኢሎም።

መንግስቲ ቅድሚ ሕዚ ፖሊስን ፅንዓትን ምክትል ኢኒስቲትዩት ዳይሬክተር ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ምሻሙ ይፍለጥ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment