ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓ ቢሮ ጥዕና ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ኤግዚብሽን ጥዕና ዑደት ኣሳሊጦም።
እቶም ኣመራርሓታት ኣብ ምዝማን ዓውዲ ጥዕናን ኩለ መዳይ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ምሃብን ከም ሃገር ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ንኢዶም።
እቲ ኤግዚብሽን፥ ሃገር ቦቆል ፍልጠት ሕክምና ንምዝማንን በቢ ብርኩ ዝርከብ ኣወሃህባ ኣገልጋሎት ጥዕና ንምምሕይያሽ ከምሃገር ይስራሕ ዘሎ ሰራሕ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።
ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ክልል ትግራይ ብዝነበረ ጎንፂ ዝዓነዋ ትካላት ጥዕና መሊስካ ኣብ ምህናፅ፤ ምጥንኻርን ብሙሉእ ዓቕሚ ናብ ስራሕ ኣብ ምእታውን ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ እወንታዊ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ርእይቶኦም ምሃቦም ካብሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።