ኣመራርሓ ሓይሊ ኣየር ሃገራት ኣፍሪካ ፓነል ዘተ የሳልጡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓ ሓይሊ ኣየር ሃገራት ኣፍሪካን ኣገልግሎት ኣቪዬሽን ዝህቡ ትካላትን ፓነል ዘተ የሳልጡ ኣለዉ።

እቶም ኣመራርሓታት፥ መበል 88 ዓመት ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንምኽባር ናብ ኢትዮጵያ ይኣትዉ ኣለዉ።

ኣብ ቢሸፍቱ ኣብ ዝርከብ ክበብ መኮንናት ሓይሊ ኣየር ኣቀባብላ ከምዝተገበረሎም ድማ ተገሊፁ።

መበል 88 ዓመት ምስረታ በዓል ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት 6 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ተኸቢሩ ከመዝውዕል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment