ኣመራርሓ  ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ክልል ደቡብ ብኩታ ገጠም ኣብ ዝለምዕ ዘሎ ሕርሻ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓ  ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ክልል ደቡብ ብኩታ ገጠም ኣብ ዝለምዕ ዘሎ ሕርሻ ስርናይ፣ ጣፍን ስርናይን ዑደት ገይሮም።

ኣብቲ ዑደት ኣካቢ እቲ ቤት ምኽሪ መብራህቱ መለሰ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ክልልን ኣባላት ኣመራርሓ እቲ ቤት ምኽሪን ተሳቲፎም።

ኣብ ወረዳ ሶዶ በዝተፈላለዩ ኣዝርእቲ ካብ ዝተሸፈነ 49 ሺሕ ሄክታር መሬት እቲ 80 ሚኢታዊ ብኩታ ገጠም ዝለምዐ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

60 ሚኢታዊ ዝኸውን ብሜካናይዜሽን ብምሕጋዝ ዝለምዐ ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment