ኣመራርሓን ኣባላትን ሰራዊት ዋዒ ፅንዓት ዕላማ ብምሕላው ክቕፅሉ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)“ብዝተፈተነ ቁፅሪ ዝፀንዕ ሰራዊት ዓወት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ  መበል 116 መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተኸቢሩ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፥ ኣመራርሓን ኣባላትን ሰራዊት ዋዒ ፅንዓት ዕላማ ብምሕላው ክቕፅሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ልኡኽ ውሽጣዊ ጎንፅታት ብዝግባእ እናፈፀምኩም ንእትርከቡ ጀጋኑ ኣባላትን ኣመራርሓን ሰራዊት ልዑል ክብሪ ንዓኹም ይኹን እውን ኢሎም።

ኢትዮጵያ ተኸቢራ ልኡላውነታ ከይተደፈረ ንክትቅፅል ወተሃደራዊ ዓቕምናን ኣወዳድባናን ኣጠናኺርና ልኡኽና ብዝግባእ ንምፍፃም ድልዋት ከምዝኾንና ንህዝብና ነረጋግፅ ክብሉ እወን ተዛሪቦም።

ድልውነት ሰራዊት ክብ ብምባል ውሽጣዊን ግዳማዊን ስግኣታት ፀፅታ ይምከት ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ሓይሊታት ምድሪ፣ ሰማይ፣ ባሕሪን ሳይበርን ንዘበንን ኢትዮጵያን ብዝምጥን ኩነታት ብምህናፅ ኣተኣማማኒ ብርኪ በፂሑ ኣሎ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment