ኣመራርሓን ህወሓት ደገፍቶምን ኣብ ራያ መሬት ይወሩ ኣለው ክብሉ ናይ ራያ ራየየማ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ኣመራርሓን ህወሓት ደገፍቶምን ኣብ ራያ መሬት ይወሩ ኣለው ክብሉ ናይ ራያ ራየየማ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ(ራዴፓ) ኣፍሊጡ።

“መሬት ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ኣይንህብን” ዝበሉ ሓረስቶት ይእሰሩ ኣለው ዝበለ እቲ ፓርቲ፣ በዚ ምኽንያት ኣብ ወረዳ ኦፍላ 50፣ ኣብ ራያ ዓዘቦ ወረዳ ቀበሌ ወረባዬ 13 ሓረስቶት ከምተኣሰሩ፣ ኣብ ራያ ኣላማጣ ወረዳ 110 ሓረስቶት ብዘይ ካሕሳ ከምተፈናቐሉ ንምድላው ክፍልና ኣብ ዝለኣኽዎ መግቐጺ ሓቢሮም።

እዚ ዘይ ሕጋዊ ውራ መሬት ንህዝብና ማእሰርቲ ምንግልታዕ ኣጥቢቑ ይኹንኖ ዝበለ እቲ ውድብ፤ መንግስቲ ፌደራል ዝምልከቶ መንግስታዊ ሰብኣዊ መብት ተሟገቲ ትካላት እዚ ተግባር ከውግዙ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ሰሜን ምብራቕ ሃገርና ብተደጋጋሚ ብዕስለ ኣንበጣ ዝጥቃዕ ከባቢ እንትኸውንን ሕዚ ድማ ዕስለ ኣንበጣ ተፈጢሩ እናሃለወ ናይቲ ክልል መንግስቲ\ህወሓት ሱቕ ኢሉ ይሪኦ ኣሎ። መንእሰይ ከይከላኸሎ መረጻ ምዝገባ ብዝበል ሰበብ ከይተኸላኸሎ ኣዝርእቲ ወዲሙ እዩ።

ህወሓት ንህዝቢ ራያ ዘለዎ ጽልኢትን ኣጥሚኻ ምግዛእን ሽርሑ ኣብዛ ናይ ለመቕነ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ዘርአዮ ዕሽሽ መባል ብግልጺ የረድእ እዩ።
ህዝቢ ራያ ካብዚ ጸላኢኡ ሓራ ክወጽእ ኣብ ጎኒ ውድብና ደው ክዓስል ንጽውዕ።

ከም መግለጺ እቲ ውድብ መንግስቲ ክልል ትግራይ\ህወሓት ንመናእሰይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥር ስልጠና ብዝብል ሰበብ ቆልዑ ናብ ውትድርና የእትው ከምዘሎ ገሊጾም።

ንምልሻ ዝኸውን ቀለብ ክሓጽር ከሎ ህዝቢ ካፍታ ዘይብሉ እኽሊ ከውጽእ ከምዝግደድ ገሊጾም መንግስቲ ፌደራል ህዝብና ዝበጽሖ ዘሎ መከራን ብዝበዛን ከድሕኖ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ፍልፍል፦ Ethiopian Press Agency/Tigrigna

Comments (0)
Add Comment