ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ንግድብ ህዳሰን ንመከላኸሊ ኮቪድ-19ን ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግና ንግድብ ህዳሰን ንመከላኸሊ ኮቪድ-19ን ዝኸውን ሓገዝ ገይሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ “ናይ በሓቂ ሕድሕድ ተግባር ተመጣጣኒ መልሲ የስዕብ ኢዩ፣ እትገብሩዎ ዘለኹም ሰናይ ተግባር ነዓይ ሓዊሱ ንኹሎም ኣመራርሓታት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደኒቑና ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣመራርሓታት እቲ ፓርቲ ንህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝኸውን ብ8100፤ ብ444 ድማ ንመከላኸሊ ኮቪድ-19 ዝኸውን ሓገዝ ከምዝገበሩን እቲ ሓገዝ ክሳብ መፈፀምትኡ ከምዝቕፅልን ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment