ኣመራርሓታት ሃፍቲ ልምዓት እንስሳ ኣርባዕተ ክልላት መድረኽ ዘተ ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓታት ሃፍቲ ልምዓት እንስሳ ኣርባዕተ ክልላት ምስ ብሄራዊ ኢኒስቲቲዩት ሓለዋ ጥዕና እንስሳት ተዛትዮም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ክልላት ትግራይ፣ ኦሮሚያ፣ ኣምሓራን ደቡብን ዝተሳተፋ እንትኾና፥ ኣብ ምክልኻል መሰረት ዝገበረ ዝርገሐ፣ ኣወሃህባን ፀገማት ኣተሓሕዛን ክትባት መከላኸሊ ሕማም እንስሳት ብዝምልከት መፍትሒ ንምቕማጥ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብሄራዊ ኢኒስቲቲዩት ሓለዋ ጥዕና እንስሳት፥ ክትባት እንስሳት ምፍራይ፣ ምዝርጋሕ፣ ምክትታል፣ ምልማዕ ምርምርን ክትባትን ተሞክሮ ኣብቲ ዘተ ቀሪቡ ኢዩ።

ሓለፍቲ ስራሕን ሰብ ሞያታትን ናይተን ክልላት እውን ነናይ ክልሎም ተሞክሮ ኣቕሪቦም ኢዮም።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ሃፍቲ ልምዓት ስጋን ፀባን ኣባል ኣመራርሓ ቦርድ ናይቲ ኢንስቲቲዩትን ኢትዮጵያ ኣይተ ታደሰ ጉታ፥ ኣብ ከይዲ ንዝለዓሉ ፀገማት መፍትሒ ምሃብ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ዋና ዳይሬክተር ብሄራዊ ኢኒስቲቲዩት ሓለዋ ጥዕና እንስሳት ዶክተር ማርታ ያሚ ብግደኦም፥ እቲ ዘተ እቲ ትካል ዝሰርሖም ስራሕቲ ኣንፈት ንምቕማጥ ዝኸዶም ክያዶታት ዝሕግዝ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ፍልፍል፦ ብሄራዊ ኢኒስቲቲዩት ሓለዋ ጥዕና እንስሳት

Comments (0)
Add Comment