ኣመራርሓታት፣ ሰራሕተኛታትን ናይ ውልቀ ኮሌጃትን ዘፈር ትምህርቲ ንሰራዊት ምክልኃል ዝኸውን ልዕሊ 29 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓታት፣ ሰራሕተኛታትን ናይ ውልቀ ኮሌጃትን ዘፈር ትምህርቲ ንሰራዊት ምክልኃል ዝኸውን ልዕሊ 29 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገንዘብን ዓይነትን ገይሮም።

እቲ ሓገዝ ገንዘብን ዓይነትን ብሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮን ተፀዋዕቲ ትካላትን ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል ክውዕል ዝተኣከበ ከምዝኾ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ ትምህርቲ ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ እቲ ሓገዝ ኣብ ዘረከቡሉ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ሚኒስቴር ትምህርቲን ተፀዋዕቲ ትካላትን ሓገዝ ዝገበሩ በቲ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል እናተኸፈለ ዝርከብ ዋጋ ኣፍልጦ ንመሃብ ኢዩ።

እቲ ሓገዝ ዝተረከባ ሚኒስትር ዲኤታ ምክልኻል ወይዘሮ ማርታ ሉዊጅ ብግደአን፥ ሚኒስቴር ትምህርቲ ንዝገበሮ ሓገዝ ገንዘብን ዓይነትን ብምምስጋን፤ እቶም ሰራሕተኛታት ብሞራል፣ ብገንዘብ፣ ብናውቲን ደጀንነትን እናገበሩዎ ዝርከቡ ሓገዝ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓቲተን።

ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓታትን እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላትን ቅድሚ ሕዚ እውን ንሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ገንዘብን ዓይነትን ገይሮም ከምዝነበሩ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment