ኣመራርሓታትን ተወከልቲን ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ምድላው ናውቲ መረፃ ብሄራዊ በሮድ መረፃ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣመራርሓታትን ተወከልቲን ፓርቲታት ፖለቲካ ብብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ዝተገበሮ ምድላው ናውቲ ጎብኒዮም።

ኣብቲ ዑደት ኣመራርሓታትን ተወከልቲን ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ንመርአዪ ዝቐረቡ ጣቢያታት መረፃን ኣቑሑትን ተዓዚቦም።

ቅድሚ ሕዚ በቲ ቦርድ ኣቢሎም ኣብ ዝተሳለጡ መረፃታት ኣብ ረብሓ ዝወዓሉ ናውቲ፤ ኣብዚ ዓመት ንዝሳለጥ መረፃ ምስ ዝተሰናድኡ ብምንፅፃር ነቶም ዑደተኛታት ገለፃ ተገይሩሎም።

ብመሰረት እዚ ድማ ንሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ዝተዳለዉ መውሃቢ ድምፂ ኮሮጆን ካልኦት ናውቲን ዘበናዊ ካብ ምዃኖም ሓሊፉ ንግልፅነት ዝሕግዙ ኢዮም ተባሂሉ።

ቦርድ መረፃ ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ዑደት፥ ፓርቲታት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዝሰርሑሉ ናይ ማእኸል ቢሮ ንሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካን ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ፓርቲን ፖለቲካ ከምዘረክብ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment