ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ልዕሊ 15 ሚሊየን ብር ለጊሶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራሕተኛታት ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ንሰራዊት ምክልኻል ዝገብሩዎ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ኣፍሊጦም።

ኣባላት ማኔጅምንትን መላእ ሰራሕተኛታትን ሎሚ መዓል ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ፥ ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል ኣድላዪ ዘበለ ኹሉ ሓገዝ ከምዝገብሩ ኣረጋጊፆም።

እቶም ሰራሕተኛታት ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ልዕሊ 15 ሚሊየን ብር ለጊሶም።

ካብዚ ብተወሳኺ ቅድም ክብል እናገበሩዎ ዝፀንሑ ልገሳ ደም ከምዝቕፅሉሉ ኣረጋጊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment