ኣመልድ ብግረ ራዕዲ ህወሓት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊሱ ንምህናፅ ዝሳለጡ ስራሕቲ ይሕግዝ ኣሎ – ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ )ትካል ልምዓትን እግሪ ምትካልን ኣምሓራ (ኣመልድ)ብግረ ራዕዲ ህወሓት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊሱ ንምህናፅ ዝሳለጡ ስራሕቲ እናሓገዘ ምዃኑ ኣካቢ ቦርድ ኣመራርሓ እቲ ትካልን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር ገሊፆም።

መበል 12 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣመልድ ኣብ ከተማ ባህርዳር ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣይተ ኣገኘሁ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ከምዝገለፁዎ፥ ኣመልድ ንዝሓለፉ ዓመታት ናብራ ህዝቢ እቲ ክልል ንምምሕያሽ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት እናሳለጠ ፀኒሑ ኢዩ።

ብፍላይ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ዜጋታት ብምድጋፍን ዕድል ስራሕ ብምፍጣርን ህዝቢ እቲ ክልል ተረባሕቲ ምግባር ከምዝኸኣለን ኣብሪሆም።

ኣገልግሎታት ፅሩይ መስተ ማይ፣ መስኖን ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላትን ብምህናፅ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከማዘበርከተ እውን ተዛሪቦም።

እቲ ትካል ብግረ ራዕዲ ህወሓት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊሱ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ኩለመዳይ ምንቅስቓስ እናሓገዘ ከምዝኾነ ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር ገሊፆም።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዶክተር ይልቃል ከፋለ ብግደኦም፥ ኣመልድ ኣብቲ ክልል ማሕበረ ኢኮኖሚ ልምዓታት እናሳለጠ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ብምኽንያት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተመዛበሉ ወገናት መሊስካ ኣብ ምጥያሽ ናይ ባዕሉ ግደ እናተዋፀአ ከምዝኾነ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment