ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማሊያ ሞቛድሾ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ብዝፈሞ መጥቃዕቲ 10 ሰባት ከምዝቐተለ ሰበ መዚ ድሕነት እታ ሃገር ገሊፆም።
እቶም ዕጡቓት ኣባላት ግብረ ራዕዲ ቅድሚ ናብ ቀፅሪ እቲ ሆቴል ኣትዮም ተኹሲ ምኽፋቶም ኣብ ደገ ክልተ ነተጉቲ ከምዘፈንጀሩ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
እቲ መጥቃዕቲ ተጀሚሩ ድሕሪ ቅሩብ ሰዓታት ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ላዕለዋይ ደብሪ ሆቴል ሓያት ከምዝተሓብኡ’ውን እቲ ፀብፃብ የመልክት።
ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኣብቲ ሆቴል ኣዕሪፎም ንዝነበሩ ብዙሓት ኣጋይሽን ሰራሕተኛታትን ከምዘድሓኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ሆቴል ሓያት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ሶማልያ ብብዝሒ ዝራኸብሉ ቦታ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለፅ።
ትሽዓተ ሰባት ጉድኣት በፂሕዎም ካብቲ ሆቴል ከምዝተወሰዱ ሓላፊ ኣገልጉሎት ኣምቡላንስ ሞቛድሾ ዓብዲከድር ዓብዱራሕማን ምግላፁ ቢቢሲ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።