ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ንኣሽከርከርቲን ተጓዓዝቲን መንእኽቲ ሰናይ ትምኒት በዓል ሓዱሽ ዓመት ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ኣብ ተርሚናላት ትራንስፖርት ብምርካብ ንኣሽከርከርቲን ተጓዓዝቲን መንእኽቲ ሰናይ ትምኒት በዓል ሓዱሽ ዓመት ኣመሓላሊፎም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ተርሚናላት ትራንስፖርት ህዝቢ ላምበረትን ኣዲስ ከተማ (ኣውቶቢስ ተራ)ን ወጋሕታ ሰዓት 10 ብምርካብ ኢዮም መግለፂ ሰናይ ትምኒት ዘመሓላለፉ።

ኣብ ድሮ በዓል ኣብ ስራሕ ዝርከቡ ኣሽከርከርቲ በዓል ምስ ስድረኦም ንምሕላፍ ዝኸዱ መገደኛታት÷ እቶም ሚኒስትር ናይ በዓል ዝማሬ ኣበባየሆሽ ምስ ዘቕርቡ ሰጋት ብምዃን ኢዮም ኣብቶም ተርሚናላት ተረኺቦም።

በዓል ኣብ ስራሕ እናሕለፉ ዝርከቡ ኣሽከርከርቲ ህያብ ካርደዲ ሰናይ ትምኒት ከምዘበርከቱ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment