ኢ/ር ታከለ ኡማ ኣብ ዘይሕጋዊ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ብዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጅነር ታከለ ኡማ ኣብ ዘይሕጋዊ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ብዝምልከት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘተ ኣካይዶም።

ኣብቲ ዘተ ዘይሕጋዊ ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ብዝምልከት ዝተገበረ መፅናዕቲን ዝውሰዱ ስጉምቲታትን ዝምልከት ቀሪቡ።

ኣብ ቀረባ እዋን እናተጋፈሐ ዝመፅአ ዘይሕጋዊ ወረራ መሬትን ህንፀት መንበሪ ኣባይቲን፥ ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ምድላው እናገበረ ከምዝኾነን ኣብ ሓፅር ግዘ ናብ ትግበራ ከምዝኣቱን እውን እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣፍሊጡ።

እቲ ስጉምቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ 116 ወረዳታት ዝውሰድ እንትኸውን፥ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፣ ፖሊስ ፌዴራል፣ ፖሊስ ኦሮሚያን ጎረባብቲ ከተማታታ እታ ኸተማን ክሳተፉ ኢዮም ተባሂሉ።

በቢወረድኡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተሃነፁ መንበሪ ኣባይቲ ናይ ምልላይ ስራሕቲ እናተሰርሐ ምዃኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ከተማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment