ኢ/ር ታከለ ኡማ ንዝተፈላለዩ መናእሰይ ንበዓል ዝኸውን ውህብቶ ኣበርኪቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ንዝተፈላለዩ መናእሰይ ንበዓል ዝኸውን ውህብቶ ኣበርኪቶም።

እቶም ምክትል ከንቲባ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝነብሩ መናእሰይ 40 ኣብዑር ዝሃቡ እንትኾኑ፥ እቶም ኣብዑር ካብ ሰብ ሃፍቲ ዝተወፈዩ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

እቶም መናእሰይ ነቲ ውህብቶ ተቐቢሎም ዓቕሚ ንዘይብሎም ነበርቲ ከምዘከፋፍሉ ድማ ተሓቢሩ።

መናእሰይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ንዝነብሩ ዓቕሚ ዘይብሎም ነበርቲ ብምድጋፍ ንዘርእይዎ ዘለዉ ተበግሶ ኢ/ር ታከለ ንኢዶም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment