ኢ/ር ሃብታሙ ኢተፋ ምስ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይን ኢነርጂ ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ ምስ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢቭጌኒ ተርኪሂን ተዛቲዮም።

ኢንጂነር ሃብታሙ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ሩሲያን ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያ ዝፀንሐ ጥንኩር ምሕዝነት ኣሎ፡፡

ኣብ መዳይ ልምዓት ድማ ህንፀፅ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ ማይ መልካዋከና ዝተገበረ ኣስተዋፅኦ ከምዝፅራሕ ገሊፆም፡፡

እቶም ሚኒስትር፥ ትካላት ሩሲያ ኣብ ዓውዲ ኢነርጂ ምውፋር ኣብ ዝኽእሉሉ ኩነታት ኣመልኪቶም እውን መብርሂ ሂቦም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዓቕሚ ዝሕደስ ሓይሊ ልዑል ከምዝኾን ምብራቕ ኣፍሪካ ብሓይሊ ንምትእስሳር ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment