ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)በይነ መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ምጉልባት ስራሕ ኣጠናኪሩ ከምዝቕፅል ዋና ፅሓፊ እቲ ትካል ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
እቶም ዋና ፅሓፊ ኣብቲ ትካል ዝተሰናደአ ስልጠና ዓቕሚ ህንፀት ደቂ ኣንስትዮ ብምርካብ ከመዘበረታትዑ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ሓቢሮም፡፡
“ደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት ዘበኑ ዘይጠልቦ ኣረኣእያታት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ፀገማት ማሕበራዊ ውዳበ÷ ደቂ ኣንስትዩ ውፅኢታዊ ከይኮና ተጓንፎታት እንዳኾኑ ይርከቡ” ኢሎም፡፡
ኢጋድ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2030 ማዕርነት ስርዓተ ፆታ ንምርግጋፅ እናካየዶም ዝርከቡ ተግባራት ውፅኢት ዋላ ዘርአዩ እንተኾኑ፤ ሕዚ እውን ማዕርነት ስርዓት ፆታ ብዝምልክት ፀገማት ምህላዎም ኣልዒሎም፡፡
ደቂ ኣንስትዮ ብኩሎም ዓውዲታት ውፅኢታዊ ንክኾናን ዓቕመን ምጉልባት ይግባእ እውን ኢሎም፡፡
ኢጋድ ቀፃልነት ብዘለዎ መልክዑ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምድጋፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡