ኢጋድ ንትግበራ ስትራቴጂ ብሉ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ  ኣድላዪ ደገፍ ከምዝገብር ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢጋድ ንትግበራ ስትራቴጂ ብሉ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ  ኣድላዪ ደገፍ ከምዝገብር ገሊፁ።

ገምጋም መርሃ ግብሪ መፈፀሚ ተግባር ስትራቴጂ ብሉ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ  ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ፥ ኢጋድ፣ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን በዓል መዚ ማሪታይም ኢትዮጵያን ብምትሕብባር ኢዩ ተዳሊዩ።

ብሉ ኢኮኖሚ ኣብ ማያዊ ኣካላት ዝግበሩ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ብሓደ ስትራቴጂ ብምምራሕ ንህንፀት ሃገራዊ ኢኮኖሚ ምውዓል ማእኸል ዝገበረ ዓውዲ ልምዓት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሓላፊ ፕሮግራም ሓለዋ ከባቢን ዘላቒ ልምዓትን ኢጋድ እሸቴ ደጀኔ (ዶ/ር)፥ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ኣብ ዓውዲ ብሉ ኢኮኖሚ ዘለዎም ሃፍቲ ንክጥቀሙ ንምግባር ጠመተ ብምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ስትራቴጂ ብሄራዊ ብሉ ኢኮኖሚ ብምስንዳእን ብምፅዳቕን ንትግበራ እቲ ስትራቴጂ ብዙሓት ስራሕቲ ትውግን ኣላ ኢሎም።

ስለዝኾነ ኢጋድ ንትግበራ ስትራቴጂ ብሉ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ  ኣድላዪ ደገፍ ከምዝገብር ገሊፆም።

 

Comments (0)
Add Comment