ኢኮ ቱሪዝም ወንጪ-ደንዲ  ምድማር ብተግባር ዝተርኣየሉን ኣብ ሓፂር እዋን ግዙፍ ስራሕ ምስራሕ ከምዝከኣል ዝተረጋገፀሉን ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢኮ ቱሪዝም ወንጪ-ደንዲ  ምድማር ብተግባር ዝተርኣየሉን ኣብ ሓፂር እዋን ግዙፍ ስራሕ ምስራሕ ከምዝከኣል ዝተረጋገፀሉን ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፕሮጀክት ኢኮ ቱሪዝም ወንጪ-ደንዲ  ሎሚ እንትምርቑ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ፕሮጀክት ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ብዝተኣከበ ሃፍቲ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝመፅኡ ሰብ ሙያን ኣተሓባበርቲ ፕሮጀክትን ዝተሃነፀን ምድማር ብተግባር ዝተርኣየሉን ኢዩ ኢሎም።

ካብ ከባቢ ወንጪ ዝመፅኡ ብዙሓት ጀጋኑ ሓድነት ኢትዮጵያ ንምሕላውን ሉእላውነታ ንምኽባርን ልዑል ውዕለታ ከምዝኸፈሉ ኣዘኻኺሮም።

ምድማር ብሓባር ተተሓሒዝካ ምዕባይ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ምዕባለ ኢትዮጵያ ኣብ ምርግጋፅ ምድማር ወሳኒ ኢየ ኢሎም።

እቲ ፕሮጀክት ወንጪን እቲ ከባቢን ብምልማዕ ምትእስሳር ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም።

ፕሮጀክት ኢኮቱሪዝም ወንጪ-ደንዲ ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓታት ዝሓቖፈ ብምዃኑ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ቀፃሊ ንዝሰርሕዎ ስራሕቲ ዝተመቻቸወ ኩነታት ምፍጣሩ ተዛሪቦም።

እቲ ፕሮጀክት ስራሕቲ ጀሚርና ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብፅርየት ምዝዛም ከምእንኽእል ኣብነት ኢዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment