ኢኮኖሚ ዓለም ምርግጋዕ እናርአየ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢኮኖሚ ዓለም ምርግጋዕ እናርአየ ምዃኑ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ) ገሊፁ።

ኣይ ኤም ኤፍ ኣመሓይሹ ኣብ ዘውፀኦ ሪፖርት÷ ኢኮኖሚ ዓለም ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓማቲ ብምኽንያት ዘጋጠሙዎ ዝተፈላለዩ ማሕለኻታት ቅልውላው ኣጋጢሙዎ ምፅንሑ ኣዘኻኺሩ።

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፣ ኲናት ሩሲያ-ዩክሬንን ፅዕንቶታት ክሌማዊ ለውጢን ኢኮኖሚ ዓለም ንኽናጋዕ ቀንዲ ምኽንያታት ነይሮም።

ተፋሪቑ ኣብ ዘሎ ኣቆፃፅራ ዘበን ኣውሮፓውያንን ስዒቡ ኣብ ዝመፅእ ሓዱሽ ዓመት ኣውሮፓውያን 2024ን ኢኮኖሚ ዓለም ካብ ምንጋዕ ብምውፃእ እናተረጋግአ ከምዝኸይድ ሓሬታ ኣይ ኤም ኤፍ የመላኽት።

ይኹን እመበር ኢኮኖሚ ዓለም ይኹን ኣብ በቢዞባኡ ዝምዝገቡ ዕቤታት ኢኮኖሚ ትሑታት ኮይኖም ከምዝቕፅሉ እቲ ዝተኸለሰ ሓበሬትኡ ኣብሪሁ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment