ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብ6 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ከምዝዓቢ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣመልኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጉንበት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብ6 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ከምዝዓቢ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚ ከምዘመላኽት ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ገሊፀን።

ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ሓዊሱ ዓለም ለኻዊ ፅዕንቶታትን ናይ ውሽጢ ሃገር ጉዳያትን ንማክሮ ኢኮኖሚ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ፈተናታት ከምዝነበሩ ኣብሪሀን።

ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣብ ዝተረኸቡሉ ተገምጊሙ።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትሽዓተ ኣዋርሕ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘቕረባ እንትኾና፥ ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ኣብ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘብፀሖ ፅዕንቶ ኣብ ፀብፃበን ኣመልኪተን።

እተን ሚኒስትር ኣብ ፀብፃበን ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ብፍላይ ኣብ ዘፈራት ሕርሻ፣ ወፃኢ ንግዲን ኣገልግሎትን ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ከምዝተመዝገበ ገሊፀን።

ካብ ዓውዲ ሕርሻ 336 ሚሊየን ኩንታል ከምዝተረኸበ ብምፅራሕ፤ ካብ ሞንጎ እዚ ድማ እቲ 25 ሚሊየን ኩንታል ካብ መስኖ ዝተረኸበ ስርናይ ኢዩ ኢለን፡፡

ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ካብ ወፃኢ ንግዲ ጥራሕ 9 ቢሊየን ብር ከምዝተረኸበ፣ ካብ ዘፈር ኣገልግሎት 4 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበን ካብ ካልኦት ኣገልግሎታት ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ከምዝተመዝገበን ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዚ ድማ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብዙሓት ፀገማት ተፃዊሩ ብ6 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ከምዝዓቢ ዘመላኽት ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment