ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢኮኖሚ ብዘፍ ውልቀ ክምራሕ ንምግባር ብዝተወሰዱ ስጉምቲታት ለውጢታት ከምዝመፅኡ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ማሞ ምህረቱ ገሊፆም፡፡
ኣይተ ማሞ ብሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር እናተሰናደአ ኣብ ዝቐርብ ፕሮግራም ”ኢትዮጵያ ኢን ፎከስ” ቀሪቦም ኣብ ከይዲ ትግበራን ተስፋታትን ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ መብርሂ ሂቦም።
ኣብ መብርሂኦም ድማ ለውጢ ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናብ ስልጣን እንትመፅኡ ብዙሓት ፀገማት ዝተሰከመ ኢኮኖሚ ነይሩ ኢሎም።
በዚ ድማ ኣማራፂታት ፖሊሲን ብዝሃ ኢኮኖሚ ዕቤትን መሰረት ዝገበረ ሃገር በቆል ዝተዋደደ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ከምዝተገበረ ኣዘኻኺሮም፡፡
ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ሪፎርም ፅቡቕ ጅማሮ ዝነበረ ይኹን እምበር ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን ፀገማት ኢኮኖሚያዊ ፅዕንቶ ከምዘሕደሩ ኣብሪሆም፡፡
ይኹን እምበር ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ፈተናታት ኮይኑ እውን ዘይብዳህ ዓቕሚ ክቕፅል ብምግባር ውፅኢት ከምዘመዝገበ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡