ኢንፎርሜሽን ኮሙዩኒኬሽን ቴክኖሎጂ ድልየት ምዕባለ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዕላዊ ካብ ዝኾነሉ ሓደ ዓውዲ ኢዩ- ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንፎርሜሽን ኮሙዩኒኬሽን ቴክኖሎጂ ድልየት ምዕባለ ኢኮኖሚን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ዕላዊ ካብ ዝኾነሉ ሓደ ዓውዲ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ኣፍሪካ ቴሌኮም ሪቪው ፃንሒት ገይሮም።

ኣብ ፃንሒቶም፥ ኢንፎርሜሽን ኮሙዩኒኬሽን ቴክኖሎጂ ድልየት ምዕባለ ኢኮኖሚን ብልፅግናን ኢትዮጵያ ዕላዊ ካብ ዝኾነሉ ሓደ ዓውዲ ኢዩ ኢሎም።

ቴሌኮም ብኽፋል ናብ ውልቀ ናይ ምዝዋር ከይዲ መርኣያ ጅማሮ ሓዱሽ ዘበን ከምዝኾነ ብምሕባር፥ እታዎታት ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ንምቅልጣፍ ብምሕሳብ ዝፍፀም ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ፈላሚት ብልፅግና ኣፍሪካ ንምዃን ባህጊ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት እውን ተዛሪቦም።

ነዚ ትልሚ ንምዕዋት ድማ ኣብ መሪሕ ትልሚ ብልፅግና 10 ዓመት ከምዝተኻተተ ኣረዲኦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment