ኢንዱስትሪ መፍረዪ ኣውቶሞቲቭ ቢሾፍቱ ሞዴል “N7 ፒክ ኣፕ” ተሽከርካሪት ንዕዳጋ ከቕርብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብግሩፕ ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ኢንዱስትሪ መፍረዪ ኣውቶሞቲቭ ቢሾፍቱ ሞዴል “N7 ፒክ ኣፕ” ተሽከርካሪት ናብ ዕዳጋ ከምዘቕርብ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኢንዱስትሪ ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት 250 ሞዴል “N7 ፒክ ኣፕ” ተሽከርካሪት ንምፍራይ ሓሲቡ እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ካብ ሞንጎ እዚ ትልሚ ኣብ ቀዳማይ ዙር 39 “N7 ፒክ ኣፕ” ገጣጢሙ ንዓማዊል ንምቕራብ እታወት ፍርያት ከምዘእተወ ካብቲ ግሩፕ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

እታ ሓዳሽ ሞዴል “N7 ፒክ ኣፕ” ተሽከርካሪት ናይዚ እዋን ናይ መወዳእታ ፍርያትን ዘበናዊ ቴክኖሎጂን ዘማለአት ከምዝኾነት ተገሊፁ፡፡

Comments (0)
Add Comment