ኢንዱስትሪታት ግብርና ንምዕባለ ኢትዮጵያ ልዑል እጃም ከምዘለዎም ኢንዱስትሪ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርክ ኢንዱስትሪ መቀነባበሪ ዝተዋደደ ፍርያት ግብርና ይርጋለም መርሃ ግብሪ ምፍላጥ ንኣልማዕቲ ሰብ ሃብቲ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል ብልምዓት ዝጠንከረት ሃገር ብምፍጣር ንትውልዲ ምምሕልላፍ ይግባእ ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያን ካብ ድኽነት ንምውፃእ መንግስቲ ብፍሉይ ትኹረት ዘፈር ኢንዱስትሪ ንምስፍሕፋሕ 29 ቢሊየን ብር መዲቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ፓርክ ኢንዱስትሪ መቀነባበሪ ዝተዋደደ ፍርያት ግብርና ይርጋለም ንመስፍሕፋሕን ኣድላዪ ዝኹነ መሰረተ ልምዓት ንምምላእን 6 ነጥቢ 65 ቢሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር ህንፀት ምክያዱ ኣረዲኦም።

ርእሰ ምምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ኢትዮጵያ ብተፈጥሮ ፀጋ ዝማዕበለት ሃገር ብምዃና ነዚ ሃብቲ ብምልማዕ ኣብ ዕቤት ደው ክነብላ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ዕቤት ንምቅልጣፍን ዜጋታት ካብ ድኽነት ንምውፃእ ኣፍረይቲ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ኢንዱስትሪ ክሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ኣብቲ ክልል ዘይተተንከፉ እታወታት ግብርና ምህላዎም ብምጥቃስ ንኣልማዕቲ ሰብ ሃብቲ መንግስቲ እቲ ክልል ኣድላዪ ድጋፍ ከምዝገብር ኣፍሊጦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment