ኢንዱስትሪታት ኣማራፂታት ዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ ክጥቀሙን ኣብ ምፍራይ መከላኸሊ መሳርሒታት ኮቪድ-19 ትኹረት ኽገብሩን ኣንፈት ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብፅዕንቶ ኮቪድ-19 ምላሽን ኣብ ፓርክታ ኢንዱስትሪ ዝርከቡ ትካላት ኣፍረይቲ ክዳውንቲን ጨርቀመርቂን ኣብ ዘጋጠሞም ፀገም ኣድሂቦም ብገፅንገፅ ቪዲዮ ተዛቲዮም።

ሚኒስትር ሰራሕተኛታትትን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ብምዃን፥ ኣብ ፅዕንቶ ኮቪድ-19ን ቀፃሊ ክውሰዱ ዝግበኦም ኣንፈታትን ኣድሂበን ዘካየደኦ ዘተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ ዘተ ኣብ ውሽጢ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዝርከቡ ትካላት ኣፍረይቲ ክዳውንቲን ጨርቀመርቂን፥ ኣማራፂታት ዕዳጋ ውሽጢ ዓዲን ካልኦት ኣማራፂታትን ክጥቀሙ፣ ኣብ ምፍራይ መከላኸሊ መሳርሒታት ኮቪድ-19 ትኹረት ኽገብሩን ከምኡ እውን ዕድላት ዕዳጋ ወፃኢ ብዝተኸኣል መጠን ንኸተኣላልሹ ኣንፈት ተቐሚጡ።

ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣርከበ ዑቑባይ፣ ሓላፊት ኮርፖሬሽን ፓርክታት ኢንዱስትሪ ሌሊሴ ነሚ ሓዊሱ ካልኦት መንግስታዊ ኣካላት ኣብቲ ዝተሳለጠ ተሳቲፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment