ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ክልል ደቡብ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ክልል ደቡብ ምርመራ ላቦራቶሪ ቫይረስ ኮሮና ጀሚሩ።

እቲ ኢንስቲትዩት ኣብ መዓልቲ 96 ሰባት ከምዝምርምር ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ግልጋሎት ምርመራ ላቦራቶሪ፥ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልልን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ ተጀሚሩ።

ኣይተ ርስቱ ይርዳው ኣብቲ ማእኸል ተዘዋዊሮም ዑደት ኣብ ዝገበሩሉ እዋን፥ መንግስቲ ብብርኪ ሃገር ቫይረስ ኮሮና ንምምርማር ዝሕግዝ ላቦራቶሪ ንኽህሉ ብዝገበሮ ፃዕሪ ማእኸላት ናይ ምስፍሕፋሕ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ተዛሪቦም።

ኣብ ካልኦት ከባቢታት እቲ ክልል ማእኸላት ምርመራ ብምህናፅ ዝርገሐ ናይቲ ለበዳ ሕማም ንምቁፅፃር ዘኽእል ስራሕ ከምዝስራሕ እውን ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment