ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ናይ 4 ውፅታት ፈጠራ መሰል ፓተንት ተዋሂቡዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዘማዕበሎም ኣርባዕተ ውፅታት ፈጠራ ካብ በዓል መዚ ኣእምሮኣዊ ንብረት ኢትዮጵያ መሰል ፓተንት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ነቲ ኢንስቲትዩት ዝተውሃበ መሰል ፓተንት÷ ሰብ ስራሕ ምስትውዓል ቴክኖሎጂ መሰረት ዘገበሩ ዓይነት ሕማም ሽኮርያ፣ ዓይነት ሕማም መንሽሮ ጡብ ዝፈሊ፣ ሕማም ቆርበት ህፃናት ንምፍላይ ዝሰርሕ ስርዓት ከምኡ እውን ሕማም ቆፅሊ ቡን ዝፈሊ ውፅኢታት ፈጠራ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ኢ/ር)÷ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ኣእምሮኣዊ ንብረት ኢትዮጵያ ወልዱ ይመስል ምስክር ወረቐት ኣፍልጦ መሰል ፓተንት ከምዝተቐበሉ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment