ኣብ ትግራይ ብክላስተር ንዝተወደቡ ሓረስቶት 22 ዘመናዊ ትራክተራት ብሓገዝ ተዋሂቡዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንስቲትዩት ስግግር ሕርሻ ኢትዮጵያ ጨንፈር ትግራይ ኣብ ክልል ትግራይ ብክላስተር ንዝተወደቡ ሓረስቶት ዝውዕላ 22 ዘመናዊ ትራክተራት ብሓገዝ ኣረኪቡ።

እተን ትራክተራት÷ ኣብ ሸዱሽተ ወረዳታት ክልል ትግራይ ብክላስተር ንዝተወደቡ ሓረስቶት ዝውዕላ ከምዝኾናን ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ከምዝተረከበንን ተገሊፁ።

ንወረዳታት ራያ ዓዘቦ፣ ሕንጣሎ፣ ክልተ ኣውላዕሎ፣ ላዕላይ ማይጨው፣ ታሕታሕ ቆራሮን ታሕታይ ኣድያቦን ብቅልጡፍ ተኸፋፊለን ናብ ስራሕቲ ማሕረስ ከምዝኣትዋ እውን እቲ ቢሮ ኣፍሊጡ።

ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልልን ፌደራልን ኣብዝተረኸብሉ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ርኽክብ÷ 22 ትራክተራት ምስ ሙሉእ ናውተን ንማሕበራት ተበርኪተን ኣለዋ።

Comments (0)
Add Comment