ኢኒሺየቲቭ ቤልት ኤንድ ሮድ ኣብ ምንካይ ድኽነት ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ ቻይና ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ኢኒሺየቲቭ ቤልት ኤንድ ሮድ ቻይና ኣብ ዓለም ድኽንት ንምንካይ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብምሕጋዝ ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ ሚኒስተቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ማኦ ኒንግ÷ “ቤልት ኤንድ ሮድ ኢኒሼቲቭ” ዝተባህለ ምትሕብባር ቻይና ኣብ ፕሮገራም ምንካይ ድኽነት ዝገበሮ ኣስተዋፅኦ ዝምልከት መግለፂ ሂቦም፡፡

ኣብ መግለፂኦም ድማ ዘላቒ ልምዓት ቀንዲ ዛዕበ 2013 ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ቅድሚ 10 ዓመት ዕላዊ ዝተገበረ ኢኒሺቲቭ ቤልት ኤንድ ሮድ ንምንካይ ድኽነት ቅድሚት ብመሃብ ብብርኪ ዓለም ለኸ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢኒሼቲቭ ቤልት ኤንድ ሮድ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ልዕሊ 1 ትሪሊየን ዶላር ኣሜሪካ ፈሰስ ብምግባርን መገዲ ብምስፋሕን 40 ሚሊዮን ዜጋታት ካብ ድኽነት ከምዘውፀአ ገሊፆም።

ብፍላይ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝውግኖም ስራሕቲ ምትሕብባር ሕርሻ ኣብ ዝፈላለዩ ክፍለ ዓለማት ዝርከቡ ህዝቢታት ውሕስና ምግቢ ንኸረጋግፁ ከምኡ እውን ሰብኣዊ ሓገዛት ንኽረኽቡ ከምዘኽአለ ኣብሪሆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ማዕቐፍ ፕሮጀክት ቤልት ኤንድ ሮድ ዝርከቡ ኢንቨስትመንታት ኢንዱስትሪን ፕሮጀክታት  መሰረተ ልምዓትን ብብርኪ ዓለም ብዙሓት ዕድላት ስራሕ ከምዝፈጠረ ምግላፀን ዢንዋ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment