ኢትጵያ ኣብ ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ናይ ባዕላ ደምቢ ኣመላልኣ ግድብ ኣቕሪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትጵያ ኣብ ሞንጎ ሰለስቲአን ሃገራት እናተካየደ ኣብ ዝርከብ ድርድር ግድብ ህዳሰ ናይ ባዕላ ደምቢ ኣመላልኣ ግድብ ኣቕሪባ።

ሚኒስትራት ማይ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ዝተሳተፉሉ ሰለስተኣዊ ድርድር፥ ብኮንፈረንስቪዲዮ ተሓጊዙ ካብ ብቕድሚ ትማሊ ጀሚሩ ይሳለጥ ምህላዉ ይፍለጥ።

ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ፌዴሪኢ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቦም ሚኒስትራት ማይ ሰለስቲአን ሃገራት ብዘሃቡዎ መምርሒ መሰረት ብምግባር ጉጅለ ቴክኒክ እተን ሃገራት ዘካይዱዎ ድርድር ቀፂሉ ኣሎ።

ኣብቲ ድርድር ደቡብ ኣፍሪካ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ብተዓዛብነት፤ ከምኡ እውን ሕብረት ኣፍሪካ ዝመደቦም ሰብ ሞያታት እቲ ዓውዲ ተረኺቦም።

እቲ ናይ ትማሊ ኣኼባ፥ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ደምቢ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ኣብ ስምምዕነት ዘይተበፅሐሎም ጉዳያት ልዝብ ንምግባር ዝዓለመ ከምዝነበረ እውን እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ኣብ ናይ ትማሊ ውዕሎ ድማ ሕብረት ኣፍሪካ 17 ሓምለ 2012 ዓ.ም ብመሰረት ዘውፀኦ መግለፂን ሚኒስትራት ማይ ሰለስቲአን ሃገራት ብቕድሚ ትማሊ ዝገበሩዎ ኣኼባን ኣብ ናይ ሓባር ሰነድ ንምስራሕ ተስማዕሚዐን።

ብመሰረት እዚ ድማ ኢትጵያ ናይ ባዕላ ደምቢ ኣመላልኣ ግድብ ከምዘቕረበት ኢዩ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ዘሓበረ።

ሱዳንን ግብፂን ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ደምቢ ንምምልካት ግዘ ከምዝደልዩ ብምግላፅ፤ እቲ ኣኼባ ንኽናዋሕ ሓቲቶም።

ስለዝኾነ ድማ እተን ሃገራት ናይ ውሽጢ ምኽክረን እንትዛዝማ ድርድረን ንኽቕፅላ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ተገሊፁ።

ብመሰረት ጉጅለ ልኡኽ ግብፂ ዘቕረቦ ሓሳብ፥ እቲ ሰለስተኣዊ ድርድር 4 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ክቕፅል ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ ቅድሚ ሕዚ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ን11 መዓልቲታት ክካየድ ድሕሪ ምፅናሕ 6 ሓምለ 2012 ዓ.ም ከምዝተቛረፀ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment