ኢትጵያን ጀርመንን ክልተኣዊ ርክበን ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክባት ወፃኢን ሰላምን ዶክተር ነገሪ ሌንጮ ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ስቴፈን ኣኦር ምስ ዝተምሐ ልኡኽ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ተዛቲዮም።
ኣብ ዘተኦም ድማ ክልቲአን ሃገራት ቅድም ክብል ዝተፈላለዩ ስምምዓት ከምዝተፈራረሙን መብዛሕትኡ ድማ ኣብ ኢኮኖሚ. መገዲ ኣየርን ዝተፈላለዩ ዓውዲታትን ከምዝነበሩ ብምፅራሕ፤ ዘለወን ርክብ ብምስፋሕ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ከምዝሰርሑ ኣምባሳደር ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ስቴፈን ኣኦር ኣብሪሆም፡፡
ኣብ ዘፈር ፖለቲካ እውን ብብርኪ ሚኒስትራት ብዙሓት ዘተታት ከምዘለዉ እዚ ድማ ብዝበለፀ ከምዝጠናኸር ዝሓበሩ እቶም ኣምባሳደር፥ ጉዕዞ ምዕባለ ኢትዮጵያ ከምዝርድኡን ዘለወን ክልተኣዊን ኩለመዳይ ርክብን ርክባት ናይ ምጥንኻር ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም፡፡
ዶክተር ነገሪ ሌንጮ ብግደኦም፥ ጀርመን ንኢትዮጵያ ትገብሮ ኩለመዳይ ምትሕብባር ብምምስጋን፤ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ እዋን ዘቑፀረን ርክበን ድማ ኣብ ዘፈር ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ዘተኮረ ከምዝኾነ ብምሕባር እዚ ርክብን ሓገዝን ክጠናኸርን ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘሎ ኩነታት መሰረታዊ ድሌታትን ዴሞክራሲን ንምዕሳል መንግስቲ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ነዚ ዝፈታተኑ ፀገማት ከምዘለዉ ኣብሪሆም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ እናተዛዘመ ከምዝኾነን ሕዚ ዝተረፈ ነገር ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ምህናፅን ነቲ ክልል ምጥንኻርን ከምዝኾነ ብምሕባር መንግስቲ ነቲ ክልል ናብ ዝነበሮ ሰላማዊ ናብርኡ ንምምላስ ከምዝሰርሕ ኣብሪሆም፡፡
ህወሓት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ራዕዲ ካብ ምፍጣሩ ሓሊፉ ዓለም ለኻ ማሕበረሰብ ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ብመሃብ ሃገራት ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ብትኽክል ከይርድኡ ንምግባር ፃዕሪ እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ዝተመዛበሉ ወገናት መሊስካ ንምጥያሽ እናተሰርሐ ስለዝኾነ እናተጋውሐ ዝርከብ ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ቀንዲ ዕላማ መንግስቲ ብሽ ዴሞክራሲ ን27 ዓመታት ህዝቢ ኢትዮጵያ እናዘረፈ ዝነበረ ጉጅለ ህወሓት ናብ ፍርዲ ብምቕራብ ልዕልነት ሕጊ ምዕሳል ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
Comments (0)
Add Comment