ኢትዮ-ኬንያ ዘራኽብ መቆፃፀሪ ኬላ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)3ይ ኢትዮጵያ ምስኬንያ ዘራኽብ ዝነበረ መቆፃፀሪ ኬላ ተመሪቑ።

ነቲ ኬላ መሪቖም ዝኸፈቱ ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ወሳኒ ኩነት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኣይተ ሙጂብ ጀማል ከምዝበሉዎ፥ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ንምቁፅፃር፣ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር፣ ኬላታት ኢሚግሬሽን የብስ እዛ ሃገር ንምዝማን፣ ንምስፍሕፋሕን ንምጥንኻርን ዓቢዪ ግደ ኣለዎ፡፡

እቲ ኬላ ኤጀንሲ ወሳኒ ኩነት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ምስ ኣይ ኦ ኤም ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዘህነፆ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ቀፃሊ እውን ብተመሳሳሊ መልክዑ ኣብ ክልላት ጋምቤላ፣ ቤኒንሻንጉልን ሶማሌን ዝምረቑን ዝህነፁን ሓደሽቲ ኬላታት ምህላዎም ተፈሊጡ።

እቲ ኤጀንሲ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ብዙሓት መቆፃፀሪ ኬላታት ምኽፋቱ ዝገለፀ እንትኸውን፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ክልላት ዓፋርን ተመሪቖም ዝተኸፈቱ ክልተ መቆፃፀሪ ኬላታት ከምፅርሑ ካብቲ ኤጀንሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment