ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ዘበናዊ ፋብሪካ ሓፂነ መፂን ከምዝሃንፅ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዘበናዊ ፋብሪካ ሓፂነ መፂን ከምዝሃንፅ ገሊፁ።

ዋና ኣስፈፃሚ ስራሕ ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ኣምባሳደር ሱሌይማን ደደፎ፥ ኢትዮጵያ ደቀቕቲ ብሎን እንተይተረፈ ካብ ወፃኢ ዓዲ ከምእተእቲ ተዛሪቦም።

ስለዚ ብምግዳፍ ብዓቕሚ ውሽጢ ዓዲ ንምሽፋን ከምዝተተለመ ገሊፆም።

ስለ ዝኾነ ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይን ግዙፍን ዘበናዊ ፋብሪካ ሓፂነ መፂን ኣብ ከተማ ነቀምቴ ከምዝሃንፅ ሓቢሮም።

ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዕደና ሓፂን ከምዘሎ ብምዝኽኻር፥ በዚን ካልኦት ምኽኒያታትን እቲ ፋብሪካ ኣብ ከተማ ነቀምቴ ንክህነፅ መንግስቲ ወሲኑ ኢዩ ኢሎም።

ሙሉእ እታዎታት እቲ ፋብሪካ ካብ ጣሊያን ተዓዲጉ ናብ ውሽጢ ዓዲ ከምዝኣተወ እውን ገሊፆም።

ነቲ ፋብሪካ ንምህናፅ ካብ 70 ክሳብ 80 ሚሊየን ዩሮ ከምዝሓትት ዝሓበሮ እቶም ኣምባሳደር፥ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ተሃኒፁ ክዛዘም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ ኢሎም።

ብመሳፍንት እያዩ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment