ኢትዮ ቴሌኮም “ኮፐር ስዊች ኦፍ” ዝተብሃለ ኣገልግሎት ወግዓዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም መስመራት ኮፐር ናብ ፋይነር ብምቕያር ዘበናዊ በዓል ገመድ ብሮድባንድ ኢንተርኔትን ኣብ ዳታ ዝተደረኸ ኣገልግሎት ድምፂ ንምቕራብ ዘኽእል “ኮፐር ስዊች ኦፍ” ዝተብሃለ ኣገልግሎት ወግዓዊ ገይሩ።

ዋና ኣካያዲት ስራሕ  ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ፥ ቅድመ ሐዚ ዝነበረ ኣገልግሎት ኮፐር ብቴሌኮም ኢንዱስትሪ ልዕሊ 150 ዓመታት ምግልጋሉ ገሊፀን።

ኣብ ኢትዮጵያ እውን ን130 ዓመታት ንዓማዊል ስሩዕ ስልክን ኣብ ዝሓለፉ ን20 ዓመታት ድማ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ንምቕራብ እንተገልግል ከምዝነበረ ሓቢረን።

ኢኒሼቲቭ “ኮፐር ስዊች ኦፍ” ዓማዊል በዓል ገመድ ኣገልግሎት ቴሌኮም ካብ ነባር መስመር ኮፐር ዝሓሸ ኣገልግሎት ንምሃብ ናብ ዘኽእል መስመር ፋይበር ብዘይምንም ክፍሊት ብነፃ ንምቕያር ዘኽእል ኢዩ ኢለን።

እቲ ኢኒሺየቲቭ ኣብ 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ 60 ሺሕ፣ ኣብ ከተማታት ክልላት 40 ሺሕ ብሓፈሻ 100 ሺሕ ዓማዊል ተረባሕቲ ዝገብር ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ፈላማይ ምዕራፍ ናይ 31 ሺሕ ዓማዊል መስመር ንምቕያር ከምዘኽእል ተሓቢሩ።

ብምንተስኖት ሙሉጌታ

Comments (0)
Add Comment