ኢትዮ ቴሌኮም ካብ ዝህቦም ዓውዲታት ኣገልግሎት ካብ ፅባሕ ጀሚሩ መመሓየሺ ከምዝገብር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ካብ ዝህቦም ዓውዲታት ኣገልግሎት ካብ ፅባሕ ጀሚሩ መመሓየሺ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ወይዘሪት ፍሬህይወት ታምሩ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ዜጋታት ምንቅስቓሶም ተገዲቡ ኣብ ገዝኦም ንኽፀንሑ ብምግባር ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ምንካይ ብዘኽእል መልክዑ ምምሕያሽ ከምዝተገበረ ገሊፀን።

ብመሰረት እዚ “ኣብ ገዝኦም ይፅንሑ” ጥቕሉል ግንጋሎት ሞባይል፣ ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታታት ንምጉብናይ ዘኽእል ኣገልግሎት ከምኡ እውን ፃንሒት እዋን ቅድመ ክፍሊት ኣየር ሰዓት ሞባይል ዘናውሕ ግልጋሎት ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ተግባራዊ ክግበር ኢዩ ኢለን።

ነዙይ ስዒቡ ድማ “ኣብ ገዝኦም ይፅንሑ” ጥቕሉል ግንጋሎት ሞባይል ድምፂ፥ ንዓማዊል ብሓሙሽተ ቅርሺ 30 ደቒቓ ናይ ውሽጢ ዓዲ ድምፂ ፃውዒትን 20 ናፃ ሓፂር ናይ ፅሑፍ መልእኽቲን ምጥቃም ይከኣል።

“ኣብ ገዝኦም ይፅንሑ” ጥቕሉል ግንጋሎት ኢንተርኔት ሞባይል፥ ብሓሙሽተ ቅርሺ 100 ሜጋ ባይት ኢንተርኔትን 20 ናፃ ሓፂር ናይ ፅሑፍ መልእኽቲን ከምኡ እውን ብ10 ቅርሺ 250 ሜጋ ባይት ኢንተርኔትን 20 ናፃ ሓፂር ናይ ፅሑፍ መልእኽቲን ምጥቃ ከምዝከኣል ተገሊፁ።

ብብር 15 ድማ 300 ሜጋ ባይት ኢንተርኔት፣ 30 ደቒቓ ግልጋሎት ፃውዒት ድምፂ ውሽጢ ዓዲን 20 ናፃ ሓፂር ናይ ፅሑፍ መልእኽቲን ግልጋሎት ንኽወሃብ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ዓማዊል እቲ ዝተመሓየሸ ኣገልግሎት ካብ ኑጉሆ ሰዓት 12 ክሳብ ሰዓት 10 ድሕሪ ቀትሪ ምጥቃም ዝኽእሉ እንትኾኑ፥ ካብቲ ዝተፀርሐ ሰዓት ወፃእ ግን ብዝነበሮ ስሩዕ ግልጋሎት ታሪፍ ከምዝወሃብ እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኣፍሊጠን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment