ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ 305 ጣቢያት ገፀር ተግባራዊ ዝግበር “ሞባይል ኔትወርክ ሶሉሽን” ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ 305 ጣቢያት ገፀር ተግባራዊ ዝግበር “ሞባይል ኔትወርክ ሶሉሽን” ኣጀሚሩ።

ፈላማይ ምዕራፍ ህንፀት ሞባይል ኔትወርክ ሶሉሽን ምዝዛሙ ስዒቡ ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬ ህይወት ታምሩ ኣብ ዞባ ወላይታ ወራዳ ሶዶ ጣቢያ ሾላ ኮዶ ብምርካብ እቲ ኣገልግሎት ምጅማሩ ዕላዊ ገይረን።

በቲ ኣገልግሎት ሽፋን ኔት ዎርክ ኣብ ዘይነበሮም ከባቢታት ገፀር ዝነብሩ 903 ሺሕ ነበርቲ ንፈለማ እዋን ኣገልግሎት ኔት ዎርክ ተረባሕቲ ንክኾኑ ምግባር ምኽኣሉ ገሊፀን።

እቲ ተግባር ዝኾነ ይኹን ክፋል ማሕበረሰብ ብኣገልግሎት ኮኔክቲቪቲ ንከይግለል ንምግባር ዝተቐመጠ ቅዋም ዘረጋግፅ ኢዩ ኢለን።

ብምንተስኖት ሙሉጌታ

Comments (0)
Add Comment