ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ዞባ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ንዝተጎድኡ ሓገዝ ንምትእኽኻብ ሓፂር ቁፅሪ መልእኽቲ ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ዞባ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ንዝተጎድኡ ሓገዝ ንምትእኽኻብ ምስ ምክልኻለወ ድልዉነት ሓደጋ ሓፂር ቁፅሪ መልእኽቲ ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ኩባንያ ዜጋታት ናብ 8091 ዝደለዩዎ መጠን ገንዘብ ብምልኣኽ ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናት ምሕጋዝ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጡ።

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብቲ ዞባ ወረዳ ገዜ ጎፋ ቀበሌ ኬንቾ ሻቻ ጎዝዲ ብዘጋጠመ ዘሕዝን ኣጋጣሚ ምኽንያት ህይወት ወገናት ብምሕላፉ ዝተሰመዖ ሓዝን ብምግላፅ ንስድራ ግዳያት፣ ንህዝቢ እቲ ክልልን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ፅንዓት ተመኒዩ።

Comments (0)
Add Comment