ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብ ከተማታት ሪጅን ማእኸላይ ሰሜን ኣገልግሎት 4ጂ ኤልቲ ኢ ኣድንቫንስድ ኣጀሚሩ።
እቲ ኣገልግሎት ኣብ ከተማታት ደብረ ብርሃን፣ ሱሉልታ፣ ሰንዳፋ፣ ገርበ ጉራቻን ለገጣፎን ዝጀመረ እንትኸውን፥ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ 386 ሺሕ ዝኾኑ ዓማዊል ተረባሕቲ ዝገብር ኢዩ።
ኣብ ስነ-ስርዓት እቲ ምጅማር፥ ዋና ፈጻሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ወይዘሪት ፍሬህይወት ታምሩ ተረኺበን።
ኣገልግሎት ኔትዎርክ ራብዓይ ትውልዲ ኣብቲ ከባቢ ምጅማሩ፥ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ቅልጡፍን ስሉጥን ክገብሮ ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎ።
ብኣበበ የሸዋልዑል
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።