ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት 4ጂ ኢንተርኔት ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት 4ጂ ኢንተርኔት ኣጀሚሩ።
እቲ ኣገልግሎት ኣብ ከተማ መቐለ፣ ሽረ፣ ዓዲግራትን ኣክሱምን ከምዝተጀመረ ተገሊፁ።
ቺፍ መኮንን ቴክኖሎጂ ኢትዮ ቴሌኮም ታሪኩ ደምሴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ኣብ ሰሜን ሪጅን ፅገና መስመር 1 ሺሕን 800 ኪሎ ሜትሮ ሓዊሱ 466 ጣቢያታት ሙሉእ ኣገልግሎት ናይ ምምላስ ስራሕ ተሰሪሑ።
ቁፅሪ ተጠቀምቲ ኣገልግሎት ብሮድባንድ ወይ ዋይፋይ እውን ምውሳኹ ተዛሪቦም።
ኣብ ካልኦት ከተማታት እቲ ኣገልግሎት ናይ ምጅማር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።
ብምስክር ስናፍቅ
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment