ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ሪጅን ሰሜን ካብ ዘለዉዎ ጣቢያታት ን365 ግልጋሎት ድምፂ ሞባይልን ስሩዕ ስልኪን ምጅማሩ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ሪጅን ሰሜን ካብ ዘለዉዎ ጣቢያታት ን365 ግልጋሎት ድምፂ ሞባይልን ስሩዕ ስልኪን ምጅማሩ ገሊፁ።

እቲ ትካል ኣብ ሪጅን ሰሜን ዘሎ መሰረተ ልምዓት ቴሌኮም ፅናን ኣገልግሎትን ኣመልኪቱ ትማሊ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ድሕረ ገፁ መግለፂ ኣውፂኡ።

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ሰሜን ሪጅን ካብ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ለይቲ ሰዓት ጀሚሩ ግልጋሎት ቴሌኮም ከምዝተቋረፀ ኣዘኻኺሩ።

ነዚ ስዒቡ እቲ ኩባኒያ 1 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ኣብ ዘሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ግልጋሎት ቴሌኮም መዓዝ፣ ብኸመይን ብመንን ከምዝተቋፀ ዘርኢ ብመረዳእታ ዝተሓገዘ ዝርዝር መብርሂ ምሃቡ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ሪጅን ዝተጎድኡ መሰረተ ልምዓታት ብመጠንን ዝጠፍኡ መሳርሒታት ቴሌኮምን ብምትካእ እቲ ኣገልግሎት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ልዑል ርብርብን ሰፊሕ መውዳድን እናገበረ ከምዝርከብ ኣገንዚቡ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተዛዘሙ ስራሕቲ ፅገናን ቀረባት ሓይሊን ኣብቲ ሪጅን ካብ ሞንጎ ዘለዉ ጣቢያታት እቶም 365 ንኣገልግሎት ድሉዋት ብምግባር ግልጋሎት ስሩዕ ስልኪን ሞባይል ድምፂን ምጅማሩ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሪጅን ዝርከቡ ባንኪታት ኣገልግሎት መሃብ ንኽኽሉ ቅድሚት ብሃብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment