ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ሪጅን ሰሜን ምብራቕ ምብራቕ ኣገልግሎት ኢንተርኔት 4ጂ ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ሪጅን ሰሜን ምብራቕ ምብራቕ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ራብዓይ ትውልዲ (4ጂ) ኣጀሚሩ

እቲ ትካል ኣብ ከተማታት ሰመራ፣ ሎጊያ፣ ኣሳኢታን ኣዋሽ ሰባት ኪሎን ኢዩ ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ኣገልግሎት ሞባይል 4ጂ ኤል ኢቲ ዛዚሙ ኣገልግሎት ከጀምር ክኢሉ ዘሎ፡፡

እቲ ኣገልግሎት ራብዓይ ትውልዲ ዝለዓለ ቅልጣፈን ባንድዊዝን ከምኡ እውን ዘተኣማምን ኣገልግሎት ዳታ ዝህብ ስለዝኾነ፥ ዓማዊል እቲ ኣገልግሎት ዲጂታላይዝ ንምግባር፣ ፍርያታውነት ንምድንፋዕን ብሓፈሻ ኣብ ኣገልግሎት ቴሌኮም ዘለዎም ልምዲ ብልዑል ኩነታት ንምዕባይ ዘኽእልን ከምዝኾነ ካብቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ቀፃሊ ተመሳሳሊ ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ ኣገልግሎት 4ጂ ኤል ኢቲ ብምዝዛም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ብምጅማር ዘኽእሉ ቅድመ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment