ኢትዮ ቴሌኮምን ኣማራ ባንክን ስምምዕነት ኪራይ ሞጁላር ማእኸል ሓበሬታ ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮምን ኣማራ ባንክን ስምምዕነት ኪራይ ሞጁላር ማእኸል ሓበሬታ ተፈራሪሞም።

ብዝተገበረ ስምምዕነት ኢትዮ ቴሌኮም ዓሰርተ “ራኮችን” ብኽራይ ዘቕረበ እንትኸውን፥ ስርዓት ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ እቲ ባንኪ ብምዝማን ደረጅኡ ዝሓለወ ማእኸል ሓበሬታ ብምግባር ዘተኣማምን ኣገልግሎት ንመሃብ ከምዝሕግዝ ተገሊፁ፡፡

ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ኢንዱስትሪ ፋይናንስ ክብ ንምባል ዕላማ ዝሓዘ ኣማራ ባንክ ዝፈፀሞ ስምምዕነት፥ ነዚ ዕላማ ንምዕዋት ከም ጅማሮ ዝወስድ ከምዝኾነ ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ባንኪ ኣይ ሄኖክ ከበደ ገሊፆም።

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ወይዘሪት ፍሬህይወት ታምሩ ብግደአን፥ እቲ ዝተገበረ ስምምዕነት ሃፍቲ ብግቡእ ንምጥቃም ዕዙዝ ረብሓ ከምዘለዎ ገሊፀን።

ብሜሮን ሙሉጌታ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment