ኢትዮ ቴሌኮምን ሚኒስቴር ንግድን ቀጣናዊ ምትእስሳርን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮ ቴሌኮምን ሚኒስቴር ንግድን ቀጣናዊ ምትእስሳርን ክፍሊት ኣገልግሎት ምዝገባን ፍቓድን ኦላይን ብቴንብር ንምግባር ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ዓማዊል ብቴምብር ኣቢሎም ብዘይምንም ተወሳኺ ወፃኢ ክፍሊቶም ኣብ ዘለውዎ ብምዃን ምኽፋል ከምዘኽአል ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ኣይተ ገብረመስቀል ጫላ ÷ እቲ ስምምዕነት ድኻም ዓማዊል ከምዝቕንስ ዘለዎም እምነት ተዛሪቦም።

ዋና ኣሰፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ብግደአን፥ ኩባኒየአን ትካላት ብቴክኖሎጂ ብምድጋፍ ፅቡቕ ከይዲ ኣሰራርሓ ንክህልዎም ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢረን።

ብሳሙኤል ወርቃየሁ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment