ኢትዮጵያ 95 ሚኢታዊ ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ንምጥቃም ትሰርሕ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓመታት 95 ሚኢታዊ ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ኣብ ረብሓ ንምውዓል እናሰርሐት ምዃና ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሰለስተ መዓልቲታት እናተኻደ ዝፀንሐ ዓለም ለኸ ኤግዚቢሽንን ሲምፖዚየምን ኢትዮ- ግሪን ሞቢሊቲ ተዛዚሙ።

ሚኒስትር ዴኤታ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን በረኦ ሓሰን÷ ኢትዮጵያ ዝሕደስ ሓይሊ ኣብ ምጥቃም ሰፊሕ ትልሚ ሒዛ እናሰርሐት ትርከብ ኢሎም።

እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓመታት 95 ሚኢታዊ ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ኣብ ረብሓ ንምውዓል እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ዝተቐመጠ ገደብ እዋን ናብ ሃገር ካብ ዝኣትዉ ተሽከርከርቲ 95 ሚኢታዊ ዝኾና ናይ ኤሌክትሪክ ከምዝኾና እውን ገሊፆም፡፡

Comments (0)
Add Comment