ኢትዮጵያ 11 ሚኢታዊ ዓመታዊ በጀታ ንፅገና መሰረተ ልምዓት መገዲ ሰሊዓ ኢያ – ፕሬዚደንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቤጂንግ ዝተጀመረ 2ይ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ዘላቒ ትራንስፖርት መኽፈቲ መደረ ኣስሚዐን።

እተን ፕሬዚዳንት ኣብ መደረአን፥ መሰረተ ልምዓት መገዲ ኣብ ሕርሻ ንዝተመስረተ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዓንዲ ሑቐን ቀንዲ ዛዕባ ልምዓትን ብምዃኑ፤ ኢትዮጵያ 11 ሚኢታዊ ዓመታዊ በጀታ ንፅገና መሰረተ ልምዓት መገዲ ከምዝሰለዐት ኣብሪሀን።

እቲ ጉባኤ፥ ከም ኢትዮጵያ ወደብ ኣልቦ ንዝኾና ሃገራት ትኹረት ከምዝህብ ዘለወን ተስፋ ምግላፆን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዝዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ ኣብ ኣናእሽቲ ከተማታት ገፀር ይኹን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሰባት ይኹን ናውቲ ዝውውር ንምቅልጣፍ ብቀሊል ባቡር ኤሌክትሪክ ይኹን ቅልጡፍ ስርዓት መጓዓዓዚ ብምፍጣር ዘተኣማምን ጉዕዞ ምግባር ንዘላቒ ልምዓት ምምፃእ ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment